ንዓኻ ብገበን ዝተጠቓዕካ

ናይ ክፍሊት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ

እንድሕር ብገበን ተጠቒዕካ ናይ ክፍሊት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ሰለስተ ዝተፈላልየ ዓይነት ክፍሊት ኣሎ፡ ካብ ገበነኛ ካሕሳ፡ ናይ ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ከምኡ’ውን ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ካብ መንግስቲ፡ ዋላ እውን እቲ ገበነኛ ዘይፍሉጥ ኮይኑ ካብ ካሳ ውሕስነትን ካብ ናይ ገበን ማህሰይትን ናይ ክፍሊት መሰል እውን ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ካሕሳን ናይ ውሕስነት ክፍሊትን

እንድሕር ሓደ ፍርዲ ተኻይዱ ናይ’ቲ ኣብ ልዕለኻ ዝተፈጸመ ገበን እቲ ገበነኛ ክንደይ ዝኣክል ካሕሳ ክኸፍል ከምዘለዎ እቲ ቤት ፍርዲ እዩ ዝውስን። ምእንቲ ንካሕሳኻ ክትክፈል ሓገዝ ናብ ኣፈጸሚ ሕጊ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብናይ ገዛኻ ውሕስነት ወይ ብመንገዲ ውሕስነታት ናይ ማሕበር ሰራሕተኛን ወሃብ ስራሕካን ገይርካ እውን ካሕሳ ንኽትወሃብ ኣኽእሎ ኣሎ።

ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት

እንድሕር ካብ’ቲ ገበነኛ ወይ ብመንገዲ ካሳ ውሕስነት ምሉእ ክፍሊት ክትረክብ ዘይክኢልካ መሰል ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ካብ መንግስቲ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ምእንቲ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት መሰል ክህልወካ ነቲ ገበን ናብ ፖሊስ ኣመልኪትካ ክትከውን ኣለካ። እንድሕር እቲ ገበነኛ ዘይፍሉጥ ኮይኑ ኣብ ልዕለኻ ሓደ ገበን ከምዝተፈጸመ ዘርእይ ሓደ መርመራ ንኣብነት ኣፈናዊ ገበናዊ መርመራ ክህሉ የድልይ። እንድሕር እቶም ፖሊስ እቲ ገብነኛ ሰብ መን ከምዝኾነ ዝፈልጡ ኮይኖም ምእንቲ ናይ ገበን ማህስሰይቲ ክፍሊት ክትወሃብ ክትክእል ኣብ’ቶም መብዛሕትኦም ጉዳያት ሓደ ሓላፍነት ዘሰክም ፍርዲ ክህልው ኣድላዪ እዩ።
ኣቲ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ነቲ ኣብ ሽወደን ዝተጓነፈ ገበን እዩ ዝምልከት። እንድሕር ኣብ ሽወደን ዲኻ ትቕመጥ ወይ ንግዝያዊ ኢኻ ኣብ ሽወደን ዘለኻ ንኣብነት በጻሒ ወይ ተመሃራይ ብዘየገድስ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እንድሕር ኣብ ሽወደን ትቕመጥ ኾይንካ ዋላ ኣውን ኣብ ወጻኢ ገበን ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ናይ ምንታይ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ክወሃብ ይኽእል?

ንኣብነት ናይ’ዞም ዝስዕቡ ክፍሊት ክትወሃብ ትኽእል፡
• ኣዝዮም ናይ ውልቃዊ ክብረታትካ ግህሰታት፡ ንኣብነት እንድሕር ማህረምቲ፡ ዘይሕጋውያን ምፍርራሓት፡ ምድፋር፡ ወሲባዊ ገበንን ስርቅን ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ
• ዝኸፈልካዮ ዋጋ ናይ ንኣብነት ናይ ሕክምና ክንክን፡ መድሃኒትን ናይ ዝርርብ ፍወሳን
• ዝኸሰርካዮ ኣታዊ
• ምልዳይን ቃንዛን፡ ንኣብነት ናይ ቃንዛ ምምካር ወይ ኣብ ግዜ ሕማም ስቅያት
• ቀወምቲ ማህሰይትታት፡ ንኣብነት ስምብራት፡ ናይ ምርኣይን ናይ ምስማዕን ትሑት ዓቕሚ
• ዝተባላሸወ ክዳውንትን መነጸርን ወይ ክትህሰ እንከለኻ ምሳኻ ዝነበረ ዝማሳሰል ኣቑሑት.
ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንኣብነት ዝተባላሸው ወይ ገለ ሰብ ዝቐሸሸካ ዝተሰርቁ ነገራትን ገንዘብን ክፍሊት ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ብኸመይ ገይረ እየ ዘመልክት?

ካብ ናይ ገበን ግዳይ በዓል መዚ ሓደ ፍሉይ ፎርም ብምምላእ ወይ ብኢንተርነት ገይርካ ኢኻ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ተመልክት። እቲ ገበን ኣብ ውሽጢ ሰለስት ዓመት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ኣፈናዊ ምርመራ ተሰሪዙ ወይ እቲ ፍርዲ ድሕሪ መጎተ ይግባይ ክበሃል ዘይተኻኢሉ፡ ነቲ መመልከቲኻ ናብ ናይ ገበን ግዳይ በዓል መዚ ክትሰዶ ኣለካ። ኣብ ልዕሊኦም ገበን ዝተፈጸመ ቆልዑት ክሳብ 21 ዓመት ዝመልኡላ መዓልቲ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ኩሉ ግዜ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
እንድሕር ብዛዕባ ናይ ገበን ማህሰይቲ ክፍሊት ዝያዳ ክትፈልጥ ደሊኻን ከመይ ከምእተመልክትን፡ ምስ ናይ ገበን ግዳይ በዓል መዚ በዚ ቁጽሪ ስልኪ 090-70 82 00 ርክብ ግበር። ምስ ናይ ገበን ግዳይ ተረኛ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተረኛ ወይ ካልእ ወለንታዊ ማሕበር ርክብ ብምግባር ናይ ምምልካት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ደገፍን ሓገዝን ካበይ ክወሃብ ይኽእል?

ክሕግዙኻን ክድግፉኻን ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኣለዉ። ፖሊስን ኣኽባር ሕግን ብዛዕባ ናይ ገበን ግዳይ መሰላት ክሕብሩ ከምኡ’ውን ካሕሳ ንኽትጠልብ ክሕግዙኻ ኣለዎም። እቲ ናይ ኮሙንካ ናይ ምሕበራዊ ኣገልግሎት ንስኻ ኣብ ልዕለኻ ገበን ዝተፈጸመን ስድራኻ ደገፍን ሓገዝን ንኽትወሃቡ ሓላፍነት ኣለዎ። ምስ ናይ ጥዕናን-ናይ ሕማምን ክንክን ወይ ምስ ካልእ ናይ ወለንተኛ ማሕበር ንናይ ገበን ግዳይ ደገፍ ምሃብ ዝሰርሓ እውን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።