ኩሎም ወሲባዊ ስጉምትታት ብወለንታ ክኾኑ ኣለዎም
ዝኾነ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምቕያር መሰል ከምዘለዎ ኣይትረስዕ። ኣቐዲሙ እንታይ ከም ዘጋጠመ ወይ ድማ መን እቲ ተበግሶ ወሲድዎ ብዘየገድስ። እቲ ካልኣይ ኣካል ኣይደልን እየ እንዳበለ ወሲባዊ ስጉምትታት ንምክያድ ምቕጻል ገበናዊ ስጉምቲ እዩ። ንሓደ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምቲ ሕራይ ምባል፡ ንካልኦት ዓይነት ወሲባዊ ስጉምትታት የጠቓልል እዩ ማለት ኣይኮነን።